|
ንኣባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ኣብ ሚኔሶታ
ካብ ቦርድ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ኣብ ሚኔሶታ
መብዛሕትኹም ኣባላትና ኣብ ዓድና ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኹነታት ምኽኒያት ኣብተጋሩ ይበፅሕ ዘሎ ኣካላዊ፣ ንብረታዊን ሞራላዊ ጉድኣትን ፅዕንቶን የተሓሳስበኩም ከምዘሎ ክትገልፁልና ፀኒሕኩም ኢኹም። እቲ ናይ ማሕበርኩም ቦርድ ኣመራርሓ ነዚ ኹነታት ከመይ ከምዝሕዞ ምስ ካልኦት ኣብሰሜን ኣሜሪካ ዝርከቡ ናይተጋሩ ማሕበረሰባት ክመያየጥ ፀኒሑ እዩ። ነዚን ንኻሎት ዋኒናትን ብዝምልከት ብሓባር ንምስራሕውን ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ተጋሩ ማሕበረሰባት ናይ ሓባር ፎረም ኣጣይሽና ሓበራዊ ስራሕቲ ምስላጥ ካብ እንጅምር ልዕሊ 6 ኣዋርሕ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ፎረም ኩለን ኣብሰሜን ኣሜሪካ ዝርከባ ማሕበረሰባት ተጋሩ ኣባላት ዝኾናሉን፤ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ወገናዊነት ናፃ ዝኾነን ናይ ማንም ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ዘይብሉን እዩ።
እዚ ፎረም/ዋዕላ እዚ ሓበራዊ ኮሚቲ ኣጣይሹ ኣብ ዝሓዝናዮ ዓመት (2018 ዝተለሞም ስራሕቲ ንምስላጥ ዓብዪ ናይ ኩላትና ተጋሩ ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ ኣኼባ ኣዳልዩ ኣሎ። ዝዝትየሎም ኣጀንዳታት
1ይ ኣብ መንነትና መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲታት ኣብ እንነብረሉ ዘለና ሃገር (USA) ብዝተፈላለየ መልክዑ ይበፅሐና ስለዘሎ ሕጋዊ መሰልናን ግቡእናን ፈሊጥና ከመይ ከምንምክቶ ንክንፈልጥ፣
2ይ ከም ሓደ ማሕበረ-ሰብ ንሓበራዊ ረብሓና ከይንሰርሕ ዘዐንቅፉና ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ፈሊና ብስልጡን ኣገባብ ብምእላይ ኣብ ዘራኽቡና ንክሰርሕ ኣብ ምርድዳእ ምብፃሕ፣
3ይ ግደ ምሁራን ኣብ ማሕበረ-ሰባዊ ውዳበታትና እንታይ ከምዝኸውን ምዝታይ፣
4ይ ኣብ መንጎ ቀዳሞት መፃእቲን ናይ ሎሚ ወለዶ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣሜሪካ ዝተወለዱን ዝዓበዩን ዘሎ ክፍተት ንክፀብብ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ምዝታይ፥
5ይ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ መንግስታዊ ስልጣናት ንክወዳደር ምትብባዕ፣
6ይ ተጋሩ ኣብዝነብሩለን ከተማታትን/ስቴታትን ናይ ተጋሩ ማሕበረ-ሰባዊ ውዳበታት ንክህሉን ዘለዋ’ውን ጠንኪረን ንክኸዳ ምግባር፣ 7ይ ተካኢ ወለዶ ካብ ማሕበረ-ሰባዊ ውዳበታትና ተረባሒ ዝኾነሉን ኣብ ውሽጠን ኮይኑ ኣመራርሓ ዝመሃረሉን ዕድላት ምፍጣር ዝከኣለሉ መንገዲታት ምርኣይ
እዞም ላዕሊ ዝተጠቐሱን ካልኦት ኣገደስቲ ኣጀንዳታትን ብምሁራን ብዝቐርብ ኣሰተምህሮ ሰፊሕ ምይይጣት ዝካይደሉ ዓብዪ ናይ ኩላትና ተጋሩ ኣኼባ ንዕለት May 2, 2018 ኣብ ከተማ ላስ ቬጋስ ከካይድ ስለዝኾነ ኣብሚኔሶታ ትነብሩ ተጋሩ ኣብ’ዚ ታሪኻዊ ኣኼባ ተርኺብኩም እጃምኩም ክትገብሩ ብኽብሪ ንፅውዕ።
መዕረፊ ሆቴል፣ ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታን ሰዓትን ምስበፅሐና ክነፍልጠኩም ኢና።
ሓድሽ ዝተመረፀ nay ሚኔሶታ ቦርድውን ብዛዕባ እዚን ብዛዕባ ንዝመፃ ክልተ ዓመታት ክሰርሖም ዝጀመረ ዓበይቲ ስራሕቲ ንምምይያጥን በዓል ዳግማይ ትንሳኤ ብሓደ ንምብዓልን ኣብዝወርሒ ውሽጢ ሓደ ፕሮፕግራም እናዳለወ ስለዝኾነ፣ እቲ ቦታን መዓልቲን ምስወሰና ክነፍልጠኩም ኢና።
ንዝበለፀ መረዳእታ ኣብ ትሕቲ ዝተዘርዘሩ መራሕቲ ማሕበረሰብና ብምድዋል ሕቶኹም ክተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።
መርስኤ ኪዳን: ኣቦመንበር ማሕበር ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ኣብ ሚኔሶታ; ስልኪ፡651-263-5583 ኢሜይል፡ MerseaKidan@etcmn.org
ብርሃነ ኣባይ: ዋና ፀሓፊ ማሕበር ኢርዮጵያውያን ተጋሩ ኣብ ሚኔሶታ ስልኪ፡952-594-2356 ኢሜይል፡ tekih@hotmail.com
ማሕበርኩም ማሕበር ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ኣብሚኔሶታ
Categories: Tigrinya