|
ዓብዪ ናይ ኣኼባ ፃውዒት
ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ንንነብር ኩላትና ተጋሩ
ኣብ ኣሜሪካ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ዘለና ናይ ትግራይ ማሕበረሰባት ውዳበታት (community organizations) ኣብ ልዕሊ በብውልቅና እነካይዶም ተግባራት ሓቢርና እንርበሐሉ መንገዲ ምፍጣር ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝረኸብናዮ ኩላትና ሓቢርና እንሰርሐሉ ዋዕላ (Forum) ብዕሊ መስሪትና ሓበራዊ ስራሕቲ ምስላጥ ካብ እንጅምር ልዕሊ 6 ኣዋርሕ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ዋዕላ’ዙይ ሓበራዊ ኮሚቲ ኣጣይሹ ኣብ ዝሓዝናዮ ዓመት (2018) ዝተለሞም ስራሕቲ ንምስላጥ ዓብዪ ናይ ኩላትና ተጋሩ ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ ኣኼባ ኣዳልዩ ኣሎ።
ንዝትየሎም ኣጀንዳታት
1ይ) ኣብ መንነትና መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲታት ኣብ እንነብረሉ ዘለና ሃገር (USA) ብዝተፈላለየ መልክዑ ይበፅሐና ስለዘሎ ሕጋዊ መሰልናን ግቡእናን ፈሊጥና ከመይ ከምንምክቶ ንክንፈልጥ፣
2ይ) ከም ሓደ ማሕበረ-ሰብ ንሓበራዊ ረብሓና ከይንሰርሕ ዘዐንቅፉና ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ፈሊና ብስልጡን ኣገባብ ብምእላይ ኣብ ዘራኽቡና ንክሰርሕ ኣብ ምርድዳእ ምብፃሕ፣
3ይ) ግደ ምሁራን ኣብ ማሕበረ-ሰባዊ ውዳበታትና እንታይ ከምዝኸውን ምዝታይ፣
4ይ) ኣብ መንጎ ቀዳሞት መፃእቲን ናይ ሎሚ ወለዶ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣሜሪካ ዝተወለዱን ዝዓበዩን ዘሎ ክፍተት ንክፀብብ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ምዝታይ፥
5ይ) መንእሰይ ወለዶ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ መንግስታዊ ስልጣናት ንክወዳደር ምትብባዕ፣
6ይ) ተጋሩ ኣብዝነብሩለን ከተማታትን/ስቴታትን ናይ ተጋሩ ማሕበረ-ሰባዊ ውዳበታት ንክህሉን ዘለዋ’ውን ጠንኪረን ንክኸዳ ምግባር፣
7ይ) ተካኢ ወለዶ ካብ ማሕበረ-ሰባዊ ውዳበታትና ተረባሒ ዝኾነሉን ኣብ ውሽጠን ኮይኑ ኣመራርሓ ዝመሃረሉን ዕድላት ምፍጣር ዝከኣለሉ መንገዲታት ምርኣይ
እዞም ላዕሊ ዝተጠቐሱን ካልኦት ኣገደስቲ ኣጀንዳታትን ብሙራን ብዝቐርብ ኣሰተምህሮ ሰፊሕ ምይይጣት ነካይደሉ ዓብዪ ናይ ኩላትና ተጋሩ ኣኼባ ንዕለት May 2, 2018 ኣብ ከተማ ላስ ቬጋስ ከነካይድ ስለዝኾንና ኣብ’ዚ ታሪኻዊ ኣኼባ ንክንርከብ ብኽብሪ ንፅውዕ። እነዕርፈሉ ሆቴል፣ ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታን ሰዓትን ፀኒሕና ክነፍልጥ ኢና።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ሕቶኹም ብኢሜይል ኣድራሻና tigraycommunities@gmail.com ልኣኹልና።
ብሰላም ምፁልና!
Categories: Tigrinya