|
ዕለት 27 ጃንዋሪ፣ 2018
ህዝባዊ ዋዕላ ተጋሩ ነበርቲ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ስዒቡ ዝወጸ መግለጺ ቅዋም
ንሕና ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ከባቢኣን እንነብር ኢትዮጵያዊያን ተወለድቲ ክልል ትግራይ ብዕለት 27 ጃንዋሪ 2018 ኣብ ወቕታዊ ጉዳይ ክልልናን ሃገርናን ኣመልኪትና ህዝባዊ ዋዕላ ኣካይድና። ነዚ ዋዕላ ንምክያድ እንትንብገስ ነዞም ዝስዕቡ ሓቂታት ግምት ብምእታው እዩ።
ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ ዝነበረቶ ሕማቕ ኩነታት ንምውጻእ ህዝቢ ትግራይ ዝለዓለ ናይ ህይወት መስዋእትን መቑሰልትን ከፊሉ። ድሕሪ እዚ መሪር ናይ ህይወት መስዋኣትን መቑስልትን ኣብ ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ክትከል መሰልን መዓርነትን ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ክኽበር ዝተኸፈለ መስዋእቲ ከም ሓደ ንሃገርና ካብ ዝነበረቶ መስካሕክሒ ኩነታት ንኽትወጽእ ዝተገበረ ኣበርክቶ እምበር ካብ ካሊእ ህዝቢ ብፉሉይ ንክግበረሉ ብምሕሳብ ስለ ዘይነበረ ነቲ ዝኸፈሎ መስዋኣቲ ብኽብሪ ተቐቢሉ እዩ። ድሕሪ እቲ መሪር ቃልሲ ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብቲ ከይዲ ዝላዓለ ኣበርክቶ ዝነበሮ ጉዱእ፣ ካብ ኣገልግሎት ዝተነከየ ተጋዳላይን ስድራ ስዉእን ክፋል ህዝብና ኣብ ልዕሊ ዝፈረሰ ቁጠባ ክልል ትግራይ ሰከም ክኸውን እንትግበር ህዝብና “ንማዕርነት ዝተኸፈለ መስዋእቲ እዩ” ኢሉ ከቢድ ጾር ተሰኪሙ እዩ። እዚ ዝገበረ ከም ዝኾነ ይኹን ህዝቢ ማዕረ መሰሉ ተሓልዩ፣ ዝመሰሎ ፖለቲካዊ ፓርቲ ኮነ ኣመለኻኽታ ክድግፍን ክቃወምን ብቓልሱ ዝዓተሮ መሰል እምበር ማንም ብትኳቦ ዝበርከተሉ ከምዘይኮነ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ይግንዘብ። ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ድማ “ናዓይ ደጊፈኒ፤ ንእከለ ድማ ምድጋፍ ደው ኣንተዘይ ኣቢልካ ወይለኻ!” ኢሉ ሃመማ ዓይኑ እሽ ክብለሉ ኣይነበረን። ኣቲ ምንታይስ እዚ ኣተሓሳስባ ብመሰረቱ ጸረ ዲሞክራሲያዊ ስለዝኾነ ህዝብና ድማ ነዚ ኣተሓሳስባ፣ ተሰከምቱን ጎይቶቶምን ቅድሚ 26 ዓመት ብመሪር ቃልሱን መስዋእትነቱን ኣወጊድዎም እዩ።
ድሕሪ እዚ ኹሉ ህዝብና ዝኸፈሎ መስዋእቲ፣ እብዛ ሕዚ ተፈጢራ ዘላ ሓዳሽ ኢትዮጵያ ማዕረ ተሳትፎ ብሄር ብሄረሰባት ኣብ ጉዳይ ሃገር ዝተተግበረላ ኮይና ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታ ዓመታት ስሉጥ ቁጠባዊ ዕቤት ከም ዝመዝገበት ማንም ዘይክሕዶ ሓቂ እዩ። ይኹን ዳኣ ‘ምበር፣ ኣብቲ ዝሓልፉ ዓመታት ዝተራኣየ ቁጠባዊ ዕቤት ከም ዘሎ ኮይኑ፣ ጎና ጎኒ ኣዚ ሓቂ ዝተፈጥረ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር፣ ግዕዝይና፣ ኣድልዎ፣ ስእነት ፍትሒ፣ ስእነት ዲሞክራሲ ከም ኩሉ ኢትዮጵያዊ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ብዝኸፈአ ኩነታት ብዱል ነይሩ ኢልና ኣቐሚጥና ኢና።
ኣምበኣርከስ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ወድዓዊ ኩነታት ክልልናን ሃገርናን ኣብ ግምት ብምእታው ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምክያድና ነዚ ዝስዕብ ብዓል ሸሞንተ (8) ነጥቢታት መግለጺ ቅዋም ሂብና ኣለና።
1) ኣብ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰፈሩ መሰላት ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ኢትዮጵያ ተንቀሳቒስካ ናይ ምንባርን ምስራሕን ዝኽበረሉ፤ ልዕልና ሕጊ ብዘስፈነ መልክዑ ንዘጥፍኡ ዝቕጽዕሉ ኣሰራርሓ ብፌደራል መንግስቲ ከምኡ ‘ውን ንዕኡ ዝመርሕ ውድብ ኢህወዴግ ኣርባዕቴአን ኣባል ውድባቱን ከትግበር ንጽውዕ።
2) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ብሄር መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ኣጥቢቕና ነውግዝ። ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ዝተፈጠረ ጎንጺ ኢዩ ኢልና ኣይንኣምንን። ኮይኑ ግና ነዚ ተግባር ብቕሉዕ ኮነ ብሕቡእ ኣብ ልዕሊ ህዝብ ጎስጓስ ዘካይዱን ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ኣብ ምፍጻም ንዝተሳተፉ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ንሓትት። ጥቕዓት ንዝበጸሖም፣ ንዝተመዛበሉን ንብረቶም ንዘዓነወን ዜጋታት መንግስቲ ፌደራልን ክልልን ኣድላዪ ድጋፍ ክገብረሎም ነተሓሳስብ።
3) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝካየድ ብሚዲያ ዝተሰነየ ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ጎስጓስ (campaign) ኣጥቢቕና ነውግዝ። ኣብዚ ተግባር ብቐጥታ ንዝተዋፈረ ኢሳት (ESAT) ዝተብሃለ ትካል ቴሌቪዥን፣ ብተዘዋዋሪ ድማ ከም Voice Of America ኣገልግሎት ኣምሓርኛን ኣብ ዝኣመስሉ ትካላት ሚዲያ ዝሰርሑ ውልቀ ሰባት ብሕጊ ክሕተቱ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ተጠናኺሩ ክቕጽል፤ ህዝብና መሰሉን ድሕንነቱን ክኽበር ንምግባር ዝምልከቶም ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ትካላት ሕጊ መሰረት ብምግባር ስራሕቲ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ክነጠናኽር ኢና።
4) ማንም ጥዕና ዘለዎን ሓላፍነት ዝስምዖን ኢትዮጵያዊ ኣብ ልዕሊ ሓውን ሓፍትን ዝኾነ ህዝቢ ናይ ምጥቕቓዕ ዘመተ ክካየድ ክፈቅድ የብሉን። ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ (Social media) ብናይ ሓሶት ስም (Pseudonym) ተኸዊሎም ዝጽሕፉ ግዳማዊ ሓይሊታት ድሌቶም ንምስኻዕን ሃገርና ክትበታተን ብሰንኪ ዘለዎም ሕዱር ባህጊ ነንርእስና ክንናቖር ዝገብርዎ ጎስጓስ ብውነ ኣስተውዒልና ናብ ዘዳለዉልና መጻወዲያ ከይንወድቕ ክንጥንቀቅ ጻዊዒትና ነቕርብ።
5) ኣብ ሃገርና ውሽጢ ዝርከባ ሚዲያታት ብፍላይ ንህዝቢ ከገልግላ ዝተጣየሻ ናይ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ትካላት ናይ ህዝቢ መረረትን ዝበጽሖ በደላትን ኣብ ምቅላሕ ክሰርሓ ንጽውዕ። 6) ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ትግራዋይ ብማሕበራቱ ኣቢሉ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ብምጥንኻር ህዝቢ ትግራይ ብፍሉይ ከም ዝተጠቐመን ከም ዝለመዐን ጌርካ ዝቐርብ ናይ ሓሶትን ጸለምን ጎስጓስ ብኡ ኣቢልካ ድማ ካብ ካልኦት ህዝቢታት ዝተነጸለ ጌርካ ክጽላእን ክጥቃዕን ዝግበር ዘመተ ደው ንምባልን ንምፍሻልን ዘኽእል ትካል ሚዲያ ኣብ ምጥያሽ ተሓባቢርና ክንሰርሕ ንጽውዕ።
7) ዘርኢ መሰረት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ብሄር ብሄረሰብ ኢትዮጵያ ዝካየድ መቕተልቲ፣ ምምዝባል፣ ምዕናው ንብረት፣ ብምፍጻሙ ኣዚና ንሓዝን ኣጥቢቕና ድማ ነውግዞ።
ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኾነ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ተወለድቲ ዝተፈላለያ ብሄርን ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ ነዚ ኣብ ሃገርና ተፈጢሩ ዘሎ ዘተሓሳስብ ኩነታት ብፍላይ መንነት መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ንማንም ህዝቢ ዘይጠቅም ምዃኑ እኳ ዳኣስ እቲ ኹነታት ናብ ዝኸፈአ ብርኪ እንተተሰጋጊሩ ብሄር ብዘይፈሊ መልክዑ ንመላእ ህዝብና ዝጎድእ ከምኡ ድማ ህልውና ሃገር ናብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ተገንዚብና መንነት መሰረት ዝገበረ ናይ ጽልእን ምጥቃዕን ጎስጓስ ንምምካት ኣብ እንገብሮ ሰላማዊ፣ ሕጋዊን ዲፕሎማሲያዊን ምንቅስቓስ ብሓባር ክንሰርሕ ንጽውዕ።
ሕውነት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ይደልድል! ሰላምን ብልጽግናን ንመላእ ህዝቢታት ኢትዮጵያ!
ተሳተፍቲ ህዝባዊ ዋዕላ ተጋሩ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን
27 ጃንዋሪ፣ 2018
Categories: Tigrinya