Posted by TCMN on January 21, 2018 at 4:20 PM
|
|
ብቐዳምነት: ሰናይ ሓዱሽ ዓመት ንኹሉ ማሕበረሰብና፣
ብተወሳኺ ደማይ ንተኸተልቲ ክርስትና ርሑስ ባዓል ልደት ክንብል ንፈትው!!
ብምቕፃል: ኣብቲ ብዕለት 12/16/2017 ዝነበረ ሓፈሻዊ ኣኸባ ንዝቕፅል 2 ዓመት ማሕበረሰብና ክናገልግል ተሓሪና፣ ዛጊድ ድማ ፈላማይ ኣኸባ ብዕለት 12/30/2017 ኣካይድና ናይ ስራሕ ክፍፍል ብምግባር፣ ብሙልእ ናህሪን ወነን ዓቕምና ብዝፈቐዶ ብቕንዕና ክንሰርሕ ተዳሊውና ኣለና። ስለዚ ንሎሚ ምስ ሓደሽቲ ስራሕ መካየድቲ ብምልላይ: ብዚ ኣጋጣሚ ድማ ኣብዚ ሓዳሽ ዓመት ኩልና ደለይቲ ልውጢ ተሓባቢርና ማሕበረሰብና /ኮሚኒቲና/ ክናጠናኽር ንላቦ።